20/09/2026
ሮዛ ገ/ሚካኤል ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ክስታትን ምላሽ ሂባ!!
ሮዛ ገ/ሚካኤል ብዛዕባ እቲ ምስ ሓደ ጳጳስ ዘርኢ ቪድዮን ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክስታትን ምላሽ ሂባ !!
ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሓደ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ብዝተኣሳሰር ብቪድዮ ተቐሪጻ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብሰፊሑ ክትዝረበላ ዝጸንሐት ሮዛ ገብረሚካኤል፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመን ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክስታትን ብዝምልከት ንኣክሱም ጽዮን ሚድያ ቃለ-መሕትት ሂባ።
ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዝተፈላለዩ ሰባት፡ እታ ጓል ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝርከብ ለይታዊ ክለብ እትሰርሕን ካልእ እምነት ዘለዋን ተባሂሉ ክውረላ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሮዛ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መሕትት እዚ ሓበሬታታት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሳ ኣብ ኣክሱም ዝተወለደት ክርስትያን፣ ተምሃሪት ቢዝነስ ማናጅመንት ዝነበረት፣ ከምኡ'ውን ሓደ ወዲ ስውእ ተጋዳላይ እተዕቢ ዘላ ኣደ ምዃና ኣረዲኣ።
ብዛዕባ መበገሲ እቲ ቪድዮ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኣብ እዋን ዕጽዋ ትግራይ ኣብ 'ኣትሮኖስ' ትሰርሕ ከምዝነበረት ብምዝኽኻር፡ እቶም ኣቦ (ኣቡነ ኣረጋዊ) ኣብኡ መጺኦም ስልካ ብምውሳድ ብተደጋጋሚ ንጾታዊ ርክብ ይሓትዋን ይልምኑዋን ከምዝነበሩ ሓቢራ። ነዚ ዘማዊ ተግባሮም ንምቅላዕን ቤተ-ክርስቲያን ንምድሓንን ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ነቲ ቪድዮ ብምቕራጽ ብሚስጢር ንላዕለዎት ኣቦታት ከምዝሃበቶም ገሊጻ።
እቲ ቪድዮ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሖ መምህር ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ሰለሞን ዝተባህለ ሰብ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ሚድያ፡ ሮዛ እቲ ቪድዮ ንህዝቢ ይዝርጋሕ ኢላ ከምዘይሓሰበቶን ብምዝርግሑ ብጣዕሚ ከምዝሰምበደትን ኣረዲኣ። እቲ ቪድዮ ኣብ ኢድ እቶም ኣቦታት እናሃለወ፣ ብፍላይ ድሕሪ እቶም ኣቦ ምእሳሮም፡ ብተመወልቲ ሰባት ክትፍራራሕ፣ ገዛኣ ክዝረፍ፣ ክትውቃዕን ክትእሰርን ከምዝጸንሐት ወሲኻ ሓቢራ ኣላ። ኣብዚ እዋን ንህይወታ ኣብ ዘየስግእ ውሑስ ቦታ ከምዘላ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ቪድዮ ብምሃባ ንህዝባ ናብ ፈተና ብምእታዋ ንርእሳ ከምዝወቐሰት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ፍልፍል IPN World